ቤት-ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2027 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ

Office of Labor Standards logo - press release version

Press Release

For Immediate Release

Contact Information
Cynthia Santana
Phone: 206-256-5219
Email: cynthia.santana@seattle.gov

ቤት-ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2027 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ

ሲያትል፡ ዋሽንግተን – (መስከረም 28, 2026) – ቤት-ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል (OLS, Office of Labor Standards) ይእውጅ ወሰኽ ኣብቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ዝጅምር ካብ ጥሪ 1, 2027። ዓመታዊ ወሰኽ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ይጥለብ ብ Minimum Wage Ordinance (ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ)። እቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ኣብ ግብሪ ይውዕል ናይቲ ሰብ ኩነታት ስደቱ ብዘየገድስ። እዚ ወሰኽ ዝተሓተ ደሞዝ፡ ኣብ መዐቀኒ ዋጋታት ተጠቀምቲ (CPI-W) ዝተመርኮሰ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ንከባቢ ሲያትል ታኮማ ቤልቪው ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ።

ካብ 1 ጥሪ 2027 ጀሚሩ ኩሉ ዓበይትን ንኣሽቱን ንግዳዊ ትካላት ንሰራሕተኛታት $22.14 ኣብ ሰዓት ክኸፍላ እየን።

እቲ ናይ ውሑድ ደሞዝ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ ከተማ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝወሓደ ደሞዝ የቐምጥ። ኣብ Seattle ናይ 2026 ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ሰዓት $21.30 ዶላር እዩ።

OLS ብዛዕባ ን 2027 ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሓበሬታ ዝሓዘ እተዋጽአ ፖስተር ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲያትል ንግዲ ፍቓድ ንዝሓዙ ስራሕ ክትልኽእ እያ። ቅዳሓት ናይቲ ናይ ስራሕ ቦታ ፖስተር ብእንግሊዝኛን ትርጉማት ናብ ካልኦት 30 ቋንቋታትን ኣብ ቀረባ እዋን ክቐርብ እዩ። ኣብቲ OLS ወብ ሳይት ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሲያትል ዚገልጽ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ OLS እትበሃል ጋዜጣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።  

  • ሓገዝ ንንግዳዊ ትካላት፦ ምስቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝን ካልእ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታትን ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ብናጻን ብብሕትን ክትሕግዝ እንተ ደሊኻ 206-256-5297 ደዉል፣ ኢሜይል laborstandards@seattle.gov ወይ ኣብዚ ጠዉቕ ብኢንተርነት ናይ ፍቓድ ፎርም ንምምላእ።
  • ንሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት ጥርዓን ንምምዝጋብ ወይ ሓበሬታ፣ ንምሃብ 206-256-5297 ኢ-መይል laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠውቕ ብኢንተርነት ናይ ዌብ ፎርም ንምምላእ።

###